Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለዩ ሰዓብቲ ሃይማኖታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሃረርን ሰላት ዒድ ዝስገደሉ ከባቢ ኣፅርዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ሰዓብቲ ሃይማኖታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሃረርን በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ሰላት ዒድ ዝስገደሉ ከባቢ ኣፅርዮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ስታዲየም ኣብ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ምፅራይ፥ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣባገዳታት፣ ዝተፈላለዩ ሰዓብቲ እምነትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተሳቲፎም።

ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ኣዲስ ኣበባ ያስሚን ወሃብረቢ፥ እቲ ቦታ ብሓባር ምፅራይ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝፀንዐ ከምዝኾነ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሃረር ኣብ ዝተኻየደ ሰላት ዒድ ዝስገደሉ ቦታ ናይ ምፅራይ ስነ ስርዓት ዝተፈላለዩ ሰዓብቲ ሃይማኖት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ተረኺቦም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.