Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ምስ ኣመራርሓታት ማእኸል ታሪኽ፣ ሓድጊን ትምህርቲን ፀለምቲ ህዝቢታት ኣፍሪካን ካሪቢያን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣመራርሓታት ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዝነብሩ ዓለም ለኸ ሙሁራን ማእኸል ታሪኽ፣ ሓድጊን ትምህርቲን ፀለምቲ ህዝቢታት ኣፍሪካን ካሪቢያን ተዛቲየን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ ምስቶ ኣመራርሓታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ታሪኽ፣ ሓድጊን ትምህርቲን ፀለምቲ ህዝቢታት ምህናፅ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታ ዕዉት ልዝብ ከምዝገበራ ገሊፀን፡፡

ኢትዮጵያ ኣፍሪካውያንን ካልኦት ፀለምቲ ህዝቢታትን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናፃ ንኽወፅኡ፣ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ወይ እውን ናይሕዚ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽምስረት ልዑል ግደ ከምዝተፃወተት ኣዘኻኺረን፡፡

እዚ ታሪኽ በቢእዋኑ ዝሕደስን በቢዘበኑ ቀፃሊ ወለዶ ዝዝክሮን ብምዃኑ፥ እቲ ትካል ኣብታ ከተማ ክሃንፆ ዝሓሰቦ ማእኸል ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.