Fana: At a Speed of Life!

ንዓቕመ ደካማታት ዝሓስብ – “ዘካ ተልፊጥር”

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ማሕበረሰብ ሙስሊም ፆም ረመዳን ዝፈትሐሉ በዓል “ዒድ ኣልፈጥር” ከኽብር ኢዩ፡፡

“ዒድ ኣልፈጥር”

“ዒድ ኣልፈጥር” ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ፆም ዝርከብ ካብ ብሕትነት ንላዕሊ ሓድነት እናተኸተለ ዓቕመ ደካማታት ሓጎስ እናጎናፀፈ ዝኽበር መፍጠሪ በዓል ኢዩ፡፡

“ዒድ ኣልፈጥር ዝብል ስያሜ ዝተውሃበሉ ምኽንያት እውን ምዝዛዘም ፆም ረመዷን ስዒቡ ዝፍጠር ፈላማይ መዓልቲ ስለዝኾነ ኢዩ” ይብሉ ዋና ፀሐፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሃሚድ ሙሳ።

“ዒድ ኣልፈጥር” መተሓሳሰቢታት ዝወሃበሉ፣ ምኽሪታት ዝልገሰሉ፣ ኣቦ ምስ ወዱ ከምኡ እውን ኣቦታት ሃይማኖት ምስ ምእመናን ኣብ ሓደ ቦታ ዝራኸቡሉ ዓመታዊን መለኮታዊን በዓል ከምዝኾነ እውን የልዕሉ፡፡

“ዒድ ኣልፈጥር” እንትኽበር . . .

ሙስሊም ማሕበረሰብ ካብ ዘኽብሮም ዓመታዊ በዓላት ሓደ ዝኾነ “ዒድ ኣልፈጥር”፥ ናይ ባዕሉ ሕጊን ስርዓት ከምዘለዎ ኣስተምህሮት እስልምና የረድእ።

ካብ ሕጊታት ሓደ “ሰላት” ምዃኑ ሼኽ ሃሚድ ሙሳ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ገሊፆም፡፡

“ሰላቱ ኣልኢደይን” ናይ ክልተ ዒዳት ሰላት (ዒድ ኣልፈጥርን ዒድ ኣልአድሃን) ብምባል ከምዝፍለጥ እውን ሓቢሮም፡፡

እቲ ስግደት ካብ መስጊድ ወፃእ ብዙሓት ምእመናን ከተኣናግድ ኣብ ዝኽእል ቦታ (ሜዳ) ክኸውን ከምዘለዎ ይዛረቡ፡፡

ኣብ ዝተሰናደአ ቦታ ኣብ ዝሳለጥ ኣከባብራ በዓል፥ ፆታ፣ ትምህርቲ፣ ዕድመ፣ ሓዳርን ካልኦት ኩነታታትን ገደብ ከምዘየሎ ብምግንዛብ ምእመናን ክርከቡ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ኣብሪሆም፡፡

ዋና ፀሐፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሃሚድ ሙሳ፥ “ዒድ ኣልፈጥር” ካብ ካሊእ “ዒድ” ዝፍለየሉ ናይ ባዕሉ ጥራሕ ቀለም (መፍለዪ) ኣለዎ።

“ዒድ ኣልፈጥር” ካብ ካሊእ “ዒድ” ካብ ዝፈልዩ ክንውናት ሓደ “ዘካተልፊጥር” ከምዝኾነ ይገልፁ።

“ዘካተልፊጥር” ኣብ “ዒድ ኣልፈጥር” ጥራሕ ስለዝካየድ እቲ በዓል ካብ ካልሊእ “ዒድ” ከምዝፈልዮ እቶም ዋና ፀሓፊ ኣገንዚቦም።

ብዛዕባ “ዘካ”

ኣብ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ዓቕመ ደካማታት ሓሲብካ ዝልገስ ህያብ “ዘካ” ይበሃል።

ከም ኣስተምህሮ ሃይማኖት እስልምና ዓይነታት “ዘካ” ክልተ ኢዮም። ንሳቶም እውን፦ “ዘካተልማል”ን “ዘካተልፊጥር” ኢዮም።

  1. “ዘካተል ፊጥር”

“ዘካተልፊጥር”(ምፅዋትፍጠሪ) ኣብ ድሮን ዕለትን “ዒድ ኣልፈጥር” ጥራሕ ዝወሃብ ህያብ መፍጠሪ ኢዩ።

እዛ ዓይነት “ዘካ” እዚኣ፥ “ነብዩ መሓመድ (ሰለሏህ ዓለይሂ ወሰለም) ካብ ቀዋሚ ምግቢ እታ ሃገር ተኸፊሉ ንኽወሃብ ዝኣዘዙላ ዘካ ኢያ።

ሼኽ ሃሚድ ከምዝበሉዎ÷ “ቋሚ ምግቢ” ማለት ኣብታ ሃገሪቱ ንምግብነት ካብ ዘገልግሉ ዓይነታት ምግቢ ዝወሃብ ህያብ ኢዩ፡፡

ዝልገስ መጠን እኽሊ ብዝምልከት እንተብርሁ ድማ፥ ብሓደ ሰብ 2 ነጥቢ 5 ኪሎ ግራም ከምዝኾነን እዚ ድማ ግቡእ (“ዋጅብ”) ከምዝኾነ ብኣፅንኦት ይገልፁ።

“እቲ ህያብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንፀገም ዝተቓልዑ ብልመና ንዝመሓደሩ ወገናት ሓገዝ ይግበር” ኢሎም።

እዞም ወገናት ኣብ ዕለት ዒድ ኣልፈጥር ንኽሕጎሱ ብምሕሳብ ነብይ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ)፤ ንሎሚ መዓልቲ እኳ እቲ በዓል ኣብ ገዝኦም ንኸኽብሩ፤ እናዘሩ ከይልምኑ ግበሩዎም” ብምባል ኣዚዞም ኢዮም፡፡

ትእዛዝ ነብይ መሓመድ ብምቕባል ምእመን 2 ነጥቢ 5 ኪሎ ግራም እኽሊ ከምዝወሃብ እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብሪሆም።

እቲ ህያብ ቅድሚ ናብ መስገዲ ቦታ ምኻዶም ኢሉ ንኽወሃብ እውን እቲ ኣስተምህሮ ይእዝዝ፡፡

  1. “ዘካተልማል”

“ዘካተልማል” ካልኣይ ዓይነት ዘካ ኢዩ።

እዚ ዓይነት “ዘካ” ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ካብ ገንዘቦም ዘካ ዘውፅኡሉ (ምፅዋት ዝህቡሉ) ኢዩ፡፡

ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ኣብ ሓደ ዓመት ካብ ዘለዎም ሃፍቲ 2 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ብምሕሳብ ንመሸጣ (ናብ ዕዳጋ ዝተሰናደአ ሕድሕድ ናውቲ እንስሳት ሓዊሱ) ናብ ብር ቀይሮም ከውፅኡ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሼኽ ሃሚድ ይገልፁ።

ንኣብነት፦ 100 ሺሕ ብር ካፒታል ዘለዎ ሰብ 2 ሺሕን 500 ብር ብዓመት “ዘካ” ንኸዋፅእ ብ“ሸሪዓ” ግቡእ ከምዝተነበረሉ ኣብሪሆም፡፡

ዋና ፀሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሃሚድ ሙሳ፥ ንመላእ ማሕበረሰብ ሙስሊም መበል 1 ሺሕን 444 ዓመተ ሂጂራ በዓል ዒድ ኣልፈጥር በዓል ምኽንያት ብምግባር መልዕእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኩሉ ንኹሊ ቀዋሚ፣ ረዳኢ፣ ሓጋዚ፣ ንኽኸውን እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ሰናይ በዓል ንኽኸውን ትምኒቱ ይገልፅ፡፡

ዒድ ሙባረክ!!

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.