Fana: At a Speed of Life!

ብልፅግና ቃል ዝኣተዎ ብተግባር ምርግጋፅን ፈተናታት ናብ ዕድል ምቕያርን ዘለዎ ልምዲ እናረጋገፀ ይርከብ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ቃል ዝኣተዎ ብተግባር ምርግጋፅን ፈተናታት ናብ ዕድል ናይ ምቕያርን ዘለዎ ልምዲ እናረጋገፀ ከምዝርከብ ምክትል ፕሬዚዳንትንሓላፊ  ዋና ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም፥ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ዝሓለፈ መረፃ ንደሓር ዘመዘገቦም ዓወታት ኣመልኪቶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ፥ እቲ ፓርቲ ኣብ ጉባኤኡ ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ካብ ዘቐመጦም ሸቶታት ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ኢትዮጵያ ካብ ጥንኩር ኢኮኖሚ ዘለወን 5 ሃገራ ኣፍሪካ ሓንቲ ክትከውን ምግባር ከምዝርከቦ ኣዘኻኺሮም።

ብምዃኑ ድማ እቲ ፓርቲ ክልተ ዓመት እንተይመልኦ ሽትኡ ከዕውት ከምዝኸኣለ ብምሕባር፥ ቅድሚ ሕዚ ስርናይ ኤክስፖርት ንምግባር ሽቶ ኣቐሚጡ ከዕውት ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም።

“ብሓበራዊ ፃዕሪ ዘመዝገብናዮ ዘዕግብ ውፅኢት ስለዝኾነ እንኳዕ ደስ በለኩም፤ እንኳዕ ደስ በለና” ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።

ፓርቲ ብልፅግና ቃል ዝኣተዎ ብተግባር ምርግጋፅን ፈተናታትን ናብ ዕዱል ምቕያር መለለይኡ ምዃኑ ብቐፃልነት እናረጋገፀ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ንምጥንካር፣ ካሊእ ኣንፈት ጉባኤና ብውፅኢታዊነት ንምፍፃምን ኣብ 10 ዓመቱ ትልሚና ዘቐመጥናዮም ሽቶታት ንምዕዋት ብዕቱብ እናተሰራሕና ንርከብ፣ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣጠናኺርና ከምንቕፅል ብዝተፈላለዩ መርኣያታት ንህዝቢ ክነረጋግፅ ኢና” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.