Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብልዕሊ 342 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፁ ሰብ ተኮር ፕሮጀክታት ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ብልዕሊ 342 ሚሊየን ብር ወፃኢ ኣብ 90 መዓልቲታት ዝተሃነፁ ሰብ ተኮር ፕሮጀክታት ተመሪቖም።

እቶም ኣብ 90 መዓልቲታት ዝተሃነፁ ሰብ ተኮር ፕሮጀክታት 27 እንትኾኑ፥ ልዕሊ 342 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም ፕሮጀክታት÷ ናብራ ሕብረተሰብ ዘቃልል ዘበናዊ መሰንከቲ ባኒ፣ ሸገር ባኒ ሹቓት መሸጢ ኣትክልቲን፣ ማእኸላት ስፖርት፣ ሕድሳር ህንፃ ከምኡ እውን ምጥባቕ ቀፅሪ ይርከቡዎም፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፋይዛ መሓመድ፣ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ስርዓት ዲሞክራሲ ሞገስ ባልቻ ሓዊሱ ኣመራርሓታት እታ ከተማን ክፍለ ከተማን ተረኺቦም።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.