Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ንግዲን ሃንጋሪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ንግዲን ሃንጋሪ ፒተር ሲያርቶ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማያዊ ጉዳያትን ብዕመቆት ከምዝዘተዩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ፒተር ሲያርቶ፥ ምስ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራ ዘሎ ምትሕብባር ዓውዲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ምዝታየዮም ይፍለጥ።

ኢትዮጵያን ሃንጋሪን 60 ዓመት ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ምዃነን ሓበሬታታት የመላኽቱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.