Fana: At a Speed of Life!

4ይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ ጎንፂ ሱዳን 200 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ጦር ሱዳንን ፍሉይ ሕይሊ ሱዳንን ዝተፈጠረ ጎንፂ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ፡፡

እቲ ጎንፂ ኣብ ሞንጎ ወታደራዊ መራሒ ጦር ሱዳን ጄኔራል ኣብዱል ፈታህ ኣልቡርሃን ዝመርሑዎ ጦርን ምክትሎም ዝነበሩ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን መሓመድ ሃምዳን ደጋሎን ኢዩ እናተገበረ ዝርከብ፡፡

ራብዓይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ ጎንፂ፥ ክሳብ ሕዚ 200 ዝኾኑ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ፡፡

ፍሉይ ተወካሊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፔርቴስ ከምዝገለፁዎ÷ ክሳብ ትማሊ ብዘሎ ሓበሬታ ንሕልፈት ካብ ዝተቓልዑ ዜጋታ ብተወሳኺ 1 ሺሕን 800 ሰባት ጉድኣት በፂሑዎም፡፡

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፥ ኣብ ሞንጎ ተዋጋእቲ ሓይሊታት ሱዳን እናተኻየደ ዝርከብ ኲናት ብጥብቂ ምኹናኖም ሲ ጂቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይሊታት ዝጀመሩዎ ጎንፂ ብምህዳእ ፀገሞም ብልዝብ ንኽፈትሑ ፃውዒት ኣንቕረቡ ይርከቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.