Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሉላ ዳ ሲልቫ ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ኢኮኖሚ ዓለም ዘለዎ ዝተጋነነ ግደ ነቒፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ቻይና ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት “ዶላር ሸርፊ ንኽኸውን ዝወሰነ መን ኢዩ? ብምባል” ዶላር ኣሜሪካ መተዓዳደጊ ምዃኑ ነቒፎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ቻይና ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ኢኮኖሚ ዓለም ዘለዎ ዝተጋነነ ግደ ብምንቃፍ ኣብ ልዕሊ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይ ኤም ኤፍ) ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ሉላ ዳሲልቫ፥ “ኩሉ ሃገር ንንግዲ ብዶላር ክእሰር ዘለዎ ዘለዎ ንምንታይ ኢዩ? ዶላር ገንዘብ ዓለም ንኽኸውን ዝወሰነ መን ኢዩ?” ክብሉ ናይ ፖለቲካ መሓዘኦም ዲልማ ሩሴፍ ኣብ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዝተጣየሸ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ብምዃን ምሻሞም ኣፍልጦ ንመሃብ ኣብ ዝተሰናደአ ስነ-ስርዓት ተዛሪቦም።

ከም ባንኪ ብሪክስ ዝበለ ባንኪ፥ ኣብ ሞንጎ ብራዚልን ቻይናን፣ ብራዚልን ካልኦት ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ዝድግፍ ገንዘብ ክህልዎ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገራት ናብ ወፃኢ ሸቐጣት ንምልኣኽ ናይ ባዕለን ኣብ ክንዲ ምጥቃመ ዶላር ክሃድና ግድን እናኾነን ከምዝርከብ ምዝራቦም ኣርቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.