Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ምክትል ቀ/ሚኒስትር ስሎቬኒያ ታንያ ፋዬን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድምስ ምክትል ቀዳማይቲ ሚኒስትር ስሎቬኒያ ታንያ ፋዬን ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ስሎቬኒያን  ዕዉት ልዝብ ከምዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣፍሊጦም።

ብምክትል ቀዳማይቲ ሚኒስትር ስሎቬኒያ ታንያ ፋዬን ዝተመርሐ ልኡኽ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ ይፍለጥ።

ኣብ ፃንሒቱ ድማ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምርካብ ኣብ ጉዳይ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራ ዘቲዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.