Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ጎንደር ሰላምን ልዕልነት ሕጊን ንምርግጋፅ ዓሊሙ ዝተፈላለዩ እግዳት ተነቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮማንድ ፖስት ፀፅታ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኣብታ ከተማ ሰላምን ልዕልነት ሕጊን ንምርግጋፅ ዓሊሙ ዝተፈላለዩ ክልከላታት ኣንቢሩ።

ብመሰረት እዚ

1 . ኣብታ ከተማ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ቤት መስተን ሳዕሲዒትን ካብ ሰዓት 3 ምሸት ንደሓር ኣገልግሎት ምሃብ ከልኪሉ

2 . ኣገልግሎት ትራንስፖርት እታ ከተማ ዝህባ ባጃጃት በዓል 3 እግሪ ካብ ሰዓት 12 ንጎሆ ክሳብ ሰዓት 2 ምሸት ጥራሕ ክሰርሓ

3 .ካብ ዝተፈቐደሉ ሓይሊ ፀፅታ መንግስቲ ወፃእ ኣፅዋር ኲናት ሒዝካ ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ኢዩ

4 . ድምፂ ኣልባ መሳርሒታት ንኣብነት ገጀራ፣ ኣንካሴ ፣ ጦርን ፌሮ ብረትን ወዘተ ሒዝካ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ

5 . ብሕጊ ንዝድለዩ ወይ ተጠርጠርቲ ሽፋን ምሃብ፣ ምሕባእ ወዘተ ተኸልኪሉ

6 . ኣብ ዝኾነ ይኹን ሰዓትን ቦታን ሮከሌት ይኹን ርቸት ምትኳስ ኣጥቢቑ ተኸልኪሉ ዘብሉን ካልኦት ነጥብታት ክልከላን ዘለውዎም በዓል 11 ዝርዝር ክልከላታት ዕላዊ ተገይሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.