Fana: At a Speed of Life!

ካብ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንግድብ ህዳሰ ዝውዕል 518 ሚሊየን ብር ሓገዝ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ንህንፀፅ ግድብ ህዳሰ ዝውዕል 518 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት መተሓባበሪ ተሳትፎ እቲ ግድብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

መበል 12 ዓመት ምንባር እምነ ሰረት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምክንያት ብምግባር ብነበርቲ ክፍለ ከተማ የካ ሎሚ ዕለት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ተሳሊጦም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረከቡ ሓላፊ ቤት ዕዮ መተሓባበሪ ፕሮጀክት ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ምስክር ነጋሽ መልአኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልአኽቶም ድማ ህንፀት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሐዚ ካብ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 4 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ብምእካብ ንህንፀት እቲ ግድብ ሓገዝ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

ሎሚ ዓመት ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 685 ሚሊየን ብር ንምእካብ ተሓሲቡ ኣብ ውሽጢ ትሻዓተ ወርሒ ጥራሕ 518 ሚሊየን ብር ምእካብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ምክትል ፈፃሚት ስራሕ ክፍለ ከተማ የካ ፀሃይ ኪባሞ÷ እምነ ኩርናዕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝተነበረሉ እዋን ጀሚሩ ሓገዝን ተሳትፎን ሕብረተሰብ ተጠናኺሩ ከምልቐፀለ ሓቢረን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.