Fana: At a Speed of Life!

ሩዝ ንፈለማ እዋን ኣብ ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ተዓዳዲጉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ፍርያት ሩዝ ከምዝዓዳደገ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ናብ ስርዓት ዕድጊት ካብ ዘካተቶም ፍርያታት ሕርሻ ሓደ ዝኾነ ሩዝ 28 መጋቢት 2015 ዓ.ም ብኤሌክትሮኒክስ መድረኽ ዕድጊት ከምዝተዓዳደገ ተገሊፁ፡፡

በቲ ዕድጊት ድማ ብጨንፈር ቡሬ ዝኣተወ ሳልሳይ ደረጃ ሩዝ ብኹንታል 6 ሺሕን 400 ብር ዝተዓዳደገ እንትኸውን፥ ኣብቲ ዕለት 60 ኩንታል ሩዝ ብ383 ሺሕን 232 ብር ምሻጥ ከምዝተኸኣለ ተሓቢሩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሩዝ ብበዝሒ ዝፈርየሎም ቦታታት፥ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ጋምቤላን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ፥ ስርዓት ዕድጊት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ብምግባር ኣብ በጀት ዓመት 2015 ሓሙሽተ ዓይነታት ፍርያት ናብ ስርዓት ዕድጊት ከምዘእተወ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.