Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታት ይቕፅሉ ኣለዉ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታት ይቕፅሉ ከምዘለዉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ካሳ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናብቲ ከባቢ ድሕሪ ምእታዉ ልዑል ውፅኢት ይምዝገብ ኣሎ ኢለን።

ብመሰረት እዚ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሒዙዎም ዝነበሩ ቦታታት ከምዝተለቐቑ ሓቢረን።

ናፃ ዝወፅኡ ከባቢታት እውን ናብ ስሩዕ መንቅስቓሶም ንክምለሱ ዘኽእል ዝተፈላለዩ ተግባራት ይፍፀሙ ከምዘለዉ ኣብሪሀን።

ኣብቶም ናፃ ዝወፅኡ ከባቢታት፥ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላት፣ ጣቢያታት ጥዕናን ካልኦት መንገስታዊ ኣገልግሎታትን ዝህቡ ትካላት ናይ ምውዳብ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ብዘይካ ኣብ ምዕራብ ወለጋን ሆሮ ጉድሩን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብሰንኪ ሸኔ ተቛሪፆም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ትራንስፖርት ዳግም ምጅማር ከምዝተኽኣለ ሓቢረን። ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታት ይቕፅሉ ከምዘለዉ እውን ገሊፀን። ብዮሐንስ ደርበው እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.