Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ስሩዕ ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእል ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ስሩዕ ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእል ዘተ ኣብ መቐለ ይካየድ  ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ፣ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሐና፣ ፕሬዚዳንት ባህር ዳር ዶክተር ፍሬው ተገኝ ሓዊሱ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ዓውዲ ትምህርቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ደገፍ፣ ስራሕቲ ህንፀትን እግሪ ምትካልን መሰረተ ልምዓት ይካየዱ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

መንግስቲ ኣብ ትግራይ ስሩዕ ትምህርቲ ንምጅማር ብቑርፀኝነት ይሰርሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ስሩዕ ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእል ዘተ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ትምህርቲን ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን  የካይዱ ከምዘለዉ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.