Fana: At a Speed of Life!

ኩባንኒያታት ሩሲያ ኣብ ናፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ኢንቨስት ንምግባር ድሌቶም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍቢ ሲ)ካብ ሩሲያ ኩባኒያታት ኣፍረይቲ መኪና ላዳን ጋዝ ግሩፕን ዝመፅኡ ተወከልቲ ምስ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ሽፈራው ሰለሞን ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ሽፈራው ሰለሞን፥ ነቶም ተወከልቲ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ዘሎ ምቹው ኩነታ ኢንቨስትመንት፣ ነቲ ዓውዲ ዝግበሩ መበረታትዒታት ከምኡ እውን ካብ ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ናፃ ንግዲ ዞባ ድሬዳዋ ዝምልከት ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

እቶም ሓለፍቲ፥ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ቦሌ ለሚን ቅሊንጦን ዘሎ ምንቅስቓስን ከይዲ ስራሕ ፍርያትን ተዓዚቦም፡፡

እቶም ኩባኒያታት ኣብ ዕዳጋታት ኣውሮፓ፣ ደቡብ ኣሜሪካን ኣፍሪካን ንኣገልግሎት ትካላት ጥዕና፣ ኣካላት ፀፅታ፣ ንፅዕነትን ከምኡ እውን ንህዝቢን ውልቀን ትራንስፖርት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ሞዴላት ዘለዎም ተሽከርከርቲ ብምቕራብ ይፍለጡ፡፡

ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ናፃ ንግዲ ዞባ ድሬዳዋ ኢንቨስት ብምግባር ዝተፈላለዩ ሞዴል ፍርያታት ንምቕራብ ድሌት ከምዘለዎም ምግላፆም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.