Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ንፕሮጀክት መኣዲ ንወለዶ ሓገዝ ገንዘብ ንዝገበሩ ትካላት ኣመስጊኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ንፕሮጀክት መኣዲ ንወለዶ ካብ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ሓገዝ ገንዘብ ንዝገበሩ ትካላት ኣመስጊኑ።

እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ቀዳማይ ዙር ሓገዝ ዝገበሩ ዝርዝር ትካላት ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር፣ ኢትዮ ቴሌኮም 1 ቢሊየን ብር፣ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 500 ሚሊየን ብር ፣ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ 150 ሚሊየን ብር፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ሜድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕን 100 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበሩ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምሕደራ ማሕበራዊ ውሕስና ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ምሕደራ ማሕበራዊ ውሕስና ውልቀ ትካላትን ሰራሕተኛታትን 100 ሚሊየን ብር ከምኡ እውን ኣገልግሎት ብሕሪን ለሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ 200 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም ኢሉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.