Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ መተሓባበሪት ሰብኣዊ ሓገዝ ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ መተሓባበሪት ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ካትሪን ሶዚ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን መንግስቲ ምስ ውሕመን ኤጀንሲታቱን ዝገብሮ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘለዎ ድሌት ዝምከት መብርሂ ሂቦም።

ምስ ስምምዕነት ሰላም ተተሓሒዙ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ መንግስቲ ብሄራዊ ምኽክር፣ ናይ ስግግር ፍትሒ፣ ብሄራዊ ዕርቂን ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ተሃድሶን ንምክያድ ዘለዎ ቆራፅነት ዝምልከት ገለፃ ገይሮም።

ኣይተ ደመቀ፥ ለገስቲን ኤጀንሲታት ውሕመን መንግስቲ እናገበሮ ዝርከብ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽድግፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ካትሪን ሶዚ ብግደኦን÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕሊ ሰላም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ምምሕልላፈን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.