Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮ – ኣንጎላ ምጥንኻር ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንብዙሓት ዓመታት ዝዘለቐ ምሕዝነት ኢትዮ – ኣንጎላ ብዘፈር ቢዝነስ ምጥንኻር ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ እዋን ስረሖም ንዝዛዘሙ ኣምባሳደር ኣንጎላ ኣብ ኢትዮጵያ ፉራንሲስክ ጆስ ዲክሩዝ ኣሰናቢቶም፡፡

ኣብቲ እዋን ምፍናው፥ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ንኽጠናኸር እቶም ኣምባሳደር ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ርክብ ኢትዮ- ኣንጎላ ካብ ዝተለመደ ፖለቲካ ሓሊፉ ነብ ቢዝነስን ኢቨስትመንትን ናይ ምዕባይ ዕድል ከምዘለዎ ኣይተ ደመቀ ኣብሪሆም፡፡

ኣምባሳደር ፉራንሲስክ ጆስ ዲክሩዝ፥ ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣንጎላ ንምውፋር ድሌት እናርአዩ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.