Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ምብራር ዝጀመረሉ መበል 50 ዓመት ኣኽቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ምብራር ዝጀመረሉ መበል 50 ዓመት ኣኽቢሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ናብ ቻይና ዝገበሮ በረራ 14 ለካቲት 1965 ዓ.ም ናብ ከተማ ሻንጋይ ብምግባር ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ኣዘኻኺሩ፡፡

ካብ 28 ጥቅምቲ 1966 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ መዕረፊኡ ናብ ከተማ ቤጂንግ ብምቕያር ኣገልግሎት ከምዝቐፀለ ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር የመላኽት።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን፥ ብ5 በረራ መገደኛታትን 9 በረራ ናይ ፅዕነትን ስሩዕ ኣገልግሎት በረራ እናሃበ ይርከብ፡፡

ብሓፈሻ 66 ሳምንታዊ በረራታት ናብ 10 ከተማታት ቻይና ከምዝገብር እውን ኣፍሊጡ፡፡

መብፅሒኡ ድማ፤ ቤጂንግ፣ ጓንዡ፣ ሼንጁ፣ ሻንጋይ፣ ሸንዘን፣ ውሃን፣ ቻንግሻ፣ ዢያመን፣ ቸንዱን ሆንግ ኮንግ ከምዝኾና እቲ መገዲ ኣየር ሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.