Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታን ከተማታትን ክልል ኦሮሚያ ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወት ክቕፅል ንምግባር ዝዓለመ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታን ከተማታትን ክልል ኦሮሚያ ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወትን እቲ ዓወት ክቕፅል ንምግባርን ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።

ብመሰረት እዚ ነበርቲ ምምሕዳር ከተማ ሸገር፣ ከተማታት ጅማ፣ ኣሰላ፣ ያቤሎ፣ ኣዳማ፣ ሻሸመኔ፣ ቢሾፍቱ፣ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ፣ ዞባ ምብራቕ ቦረና፣  ዞበሰ ኢሊባቡር፣ ከተማ ነቀምቴ፣ ከተማ ኣምቦ፣ ዞባታት ምብራቕ ባሌን ምብራቕ ሃረርጌን፣ ነበርቲ ቡኖ በደሌን ጉጂን፣ ነበርቲ ዞባታት ቄለም ወለጋ፣ ባሌን ምዕራብ ጉጂን ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወት ዝድግፍ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቶም ሰልፊታት ድጋፍ ዝተሳተፉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት፥ ኣብ ዘለዉ 5 ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብመዳይ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ካልኦት ዓውዲታትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ዘንፀባርቑ ጭርሖታትን መልእኽቲታትን ኣመሓላሊፎም፡፡

“24 መጋቢት 24 ስርዓተ መንግስቲ ብሓይሊን ብሽርሒን ምቕያር ዝዓፀወት ታሪኻዊት መዓልቲ ኢያ” ብምባል እቶም ነበርቲ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ሰልፈኛታት “ውፅኢታት እቲ ሰልፊ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና! ፅንፈኝነት ንቃወም! ግድብ ህዳሰን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝጀመሩዎም ስራሕቲን ኣብ ጎኖም ብምዃን ኣብ መወዳእታ ክነብፅሕ ኢና! 24 መጋቢት ሓወልቲ ናፅነትን ማዕርነትን ዝተነበረሉ መዓልቲ ኢዩ!” ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት እውን ስሚዖም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ እቲ ክልል ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ፥ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ዜጋታት ተረኺቦም ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወት ክቕፅል ንምግባር ዘለዎም ቆራፅነት ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.