Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ግዕዝይና ንምክልኻል ንእትገብሮ ተግባራት ዝግበር ቴክኒካል ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ግዕዝይና ንምክልኻል ንእትገብሮ ተግባራት ዝግበር ቴክኒካል ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብል ቢሮ ምክልኻል ሓደገኛ እፅን ገበንን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ምስ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ብምትሕብባር መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የሳለጥ።

ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዘላለም መንግስቴ፥ መንግስቲ ግዕዝይና ብምቅላስ ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ መንግስቲ ናይ ግዕዝይና ኩነታት ብምግንዛብ ኣብ ግዕዝይና ተሳትፎ ዘለዎም ውልቀ ሰባትን ትካላትን ብሕጊ ተሓተትቲ ይገብር ከምዘሎ መዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ብምስታፍ ተሓታትነት ንምንጋስ ብዝተጠናከረ ኩነታት ብሓዱሽ ስልቲን ቁርፀኝነትን ምቕፃሉ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.