Fana: At a Speed of Life!

ፆም ረመዷን ሎሚ መዓል ወርሒ እንተተራኢያ ፅባሕ፣ እንተዘይተራኢያ ድሕሪ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ – ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1444 ዓመተ ሒጅራ ፆም ረመዷን ሎሚ መዓልቲ ወርሒ እንተተራኢያ ፅባሕ ረቡዕ፤ እንተዘይተራኢያ ድማ ድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ከምዝጅምር ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ መበል 1444 ዓመተ ሒጅራ ፆም ረመዷን ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

ኣብ መልእኽቱ ድማ ሙስሊም ሕብረተሰብ ኣብ እዋን ፆም ዝተለመደ ተግባር ሕድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ምርድዳእን ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቱ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፥ ንኢትዮጵያን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ሙስሊምን ፆም ረመዷን ናይ ሰላም፣ ጥዕናን ፍቕሪን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።

ብመሳፍንት እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.