Fana: At a Speed of Life!

ጥንኩር ቁመና ፓርቲ ብምፍጣርን መንግስቲ ብምህናፅን ምዕባለ ኢትዮጵያን ጋህዲ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ጥንኩር ቁመና ፓርቲ ብምፍጣርን ጥንኩር መንግስቲ ብምህናፅን ምዕባለ ኢትዮጵያን ጋህዲ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣኼባ ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ÷ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዘመዝገቦም ዓወታት፣ ዘጋጠሙዎ ፈተናታትን ኣብ ቀፀልቲ ኣንፈታትን ብምዝታይ በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ሓድነት ኣተሓሳስባን ተግባርን ብዝበለፀ ንኽጠናኸር እቲ ዘተ ምክያድ ከምዘድለየ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ እናተርኣዩ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ፈተናታት ሓደ ብዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ፖለቲካ ኣቢሉ ዝረአ ኣብ ሞንጎ “ኣጠቓቕማ ናፅነትን” ኣመሓድራ ናፅነትን” ሚዛን ዘይሓለወ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ኩነታ ንምእራም ኣመራርሓ ፖለቲካ ርኡይ ተራ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ መሰላት “ውልቀ ሰብን”ን “ጉጅለኣዊን” ዝተፈቐዱን ሕገመንግስታዊ ሓለዋ ዘለዎምን ይኹኑ እምበር፥ ኣብ ኣተገባብረኦም ፀገማት ከምዝረአዩ ገሊፆም፡፡

ብስም ናፅነት ልዕለንት ሕጊ ዝሽርሽሩ ድሕንነት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ምንቅስቓሳት ከይፍጠሩ ምክልኻል ሓላፍነት ኣቲ ኣመራርሓ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ኣኼባ፥ ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዘቕረቦ ሰነድ ልዝብ ክገብሩ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

እቲ ሰነድ ብዝምልከት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ሞገስ ባልቻ ገለፃ ምግባሮም ካብ ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.