Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ካፒታል ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያ ናብ 221 ቢሊየን ብር ክብ ንክብል ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ኣብ ህንፀት ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያ ንክዛዘሙን ዝተዛዘሙ ናብ ስራሕ ንክኣትዉን ዝተፈቐደሉ ካፒታሉ ናብ 221 ቢሊየን ብር ክብ ንክብል ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 18 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ረቂቕ ኣዋጅ ብመንግስቲ ዝውነኑ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብዝምልከት ብዕምቆት ብምዝታይ፥ ኣብ ምዕባለ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ልዑል ግደ ንከበርክታ ዘቕእል ረቂቕ ኣዋጅ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ስለዝኾነ እታዎታት ብምውሳኽ ንክፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሉግዘምበርግ ከምኡውን ስዊዝ ኮንፌዴሬሽን ተደራራቢ ገብሪ ንምትራፍን ምጭብርባር ታክሲ ንምክልኻለን ዓሊማ ዝገበረቶ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ጠሚቱ ዓምዩቕ ዘተ ብምግባር  እታዎታት ብምውሳኽ ንክፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ተወሲኑ።

ደንቢ መጣየሺ ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት እውን ዘተ ተገይሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ህንፀት ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያ ንክዛዘሙን ዝተዛዘሙ ናብ ስራሕ ንክኣትዉን ዝተፈቐደሉ ካፒታሉ ናብ 221 ቢሊየን ብር ክብ ንክብል እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ወሲኑ።

ብጥረ ገንዘብን ዓይነትን ዝተኸፈለ ካፒታሉ ድማ 120 ቢሊየን ብር ንክኸውን ተሰናዲኡ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.