Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊን ሃገራዊን ዛዕባ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊን ሃገራዊን ዛዕባ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ “ልኡኽ ዓወታት ናይ ምፅናዕን ፈተናታት ናይ ምሽጋርን እዋናዊን ታሪኻዊን ኣመራርሓታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ጋምቤላ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ደቡብ፣ ሃረሪ፣ ሶማሌን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ፣  ኣብ ክልል ቤንሻጉል ጉምዝ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሐመድ ከምኡውን ኣብ ክልል ሶማሌ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ሓዊሱ ኣብ ኩሎም መድረኻት ዘተ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲን ውድብ ብልፅግናን ተረኺቦም።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ እዋን ለውጢ ዝተረኸቡ ዓወታት ብዝግባእ ብምግንዛብ ንምቕፃል ቁርፀኛ ቅዋም ብምሓዝ ውድብን መንግስቲን ብብቕዓት ንምምራሕ ዘኽእለ ሓድነት ኣተሓሳስባን ተግባርን ንኣመራርሓ ዘጎናፅፍ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.