Fana: At a Speed of Life!

ኣወሃህባ ኣገልግሎት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ንምምዕባል መንግስቲ ደገፉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ- ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣወሃህባ ኣገልግሎት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ንምምዕባል መንግስቲ ደገፉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ  ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ኣባላትን ኣመራርሓን እቲ ባይቶ ኣወሃህባ ኣገልግሎት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተዓዚቦም።

ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ፥ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ኣፍሪካ ተመራፂ፣ ግዙፍን ብቐዳምነት ዝስራዕን ኢዩ ኢሎም።

ብኣገልግሎቱ ተመራፂ ንክኸውን መንግስቲ ፍሉይ ጠመተ ብምግባር ደገፍ ምግባሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው፥ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ግስጋሰ ምዕባለ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ኣብ ታሪኽ ጉዕዞ 77 ዓመት ንልዕሊ 13 ሚሊየን ተገልገልቲ ኣገለግሎት በረራ ከምዝሃበ ምሕባሮም ካብቲ ቤት ፅሕፈት እቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.