Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ምሸት ኣብ ኮልፌ ድሕሪት ዕዳጋ እፎይታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 42 ሹቓት ንግዲ ዓኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ሰዓ 2፡20 ኣብ ኣዲ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ 10 ከባቢ ድሕሪት ኮልፌ ዕዳጋ እፎይታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 42 ሹቓት ንግዲ ከምዝዓነዉ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ገሊፁ።

እቲ ሓደጋ ንምቁፅፃር 15 ተሸከርከርቲ ተቖፃፀርቲ ሓደጋን ክልተ ቦጣት ማይን ከምኡ እውን ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ከምዝተዋፈሩ በዓል ሞይ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ነጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ብዝገበሩዎ ርብርብ፥ እቲ ሓደጋ ተስፋሕፊሑ ተወሳኺ ሓደጋ እንተየብፀሐ ምቁፅፃር ዝተኽኣለ እንትኸውን፥ ኣብቲ ከይዲ መጠኑ ዘይተፈለጠ ጥረ ገንዘብ ካብ ሓደጋ ብምትራፍ ንፖሊስ ከምዘረከቡ ገሊፆም።

ብምኽንያት እቲ ባርዕሓዊ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለን መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝርከብን እውን ኣብሪሆም።

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.