Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታን ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20ን ቀዋሚ ውክልና ንክህልዋ እትገብሮ ፃዕሪ ኣሜሪካ ትድግፍ- ኣንቶኒ ብሊንከን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታን ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20ን ቀዋሚ ውክልና ንክህልዋ እትገብሮ ፃዕሪ ኣማሪካ ትድግፍ ኢያ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊፆም።

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝጠመተ ፃንሒት ገይሮም።

ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታን ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20ን ቀዋሚ ውክልና ንክህልዋ እትገብሮ ፃዕሪ ኣሜሪካ ከምእትድግፍ ተዛሪቦም።

ኣፍሪካ ነዚ ወክልና ንክትረክብ ኣሜሪካ ፅኑዕ ደገፍ ከምእትህብ ኣረጋጊፆም።

ኣንቶኒ ቢሊንከን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝፍጠሩ ፀገማት ብሰላም ንክፍትሑ ኣብ ምግባር ልዑል ፃዕሪ ትገብር ከምዘላ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ማእኸል ኣፍሪካ ከምዝኾነት ብምግላፅ፥ ብምኽኒያት እዚኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ይኹን መላእ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚናኣ በዝግባእ ነክትዋፃእ ኣሜሪካ ከምእትደሊ ሓቢሮም።

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ እዛ ኣህጉር ዘጋጥሙ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ መዳርግቲ ኣሜሪካ ኮይኑ ምቕፃሉ እውን ኣረዲኦም።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ለውጢ ክሌማ፣ ጥዕና፣ ኢኮኖሚ፣ ሰላምን ምርግጋዕን ከምኡውን ካልኦት ዓውዲታት ምስ ኣፍሪካ ብምትሕበባር ትሰረሕ ከምዘላ ኣብሪሆም።

ብዮናታን ዮሴፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.