Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ሙሉእ ተግባራዊነት ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ንኢትዮጵያ ናብ ኣጎዋ ንምምላስ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ኣንቶኑ ብሊንከን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ሙሉእ ተግባራዊነት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ንኢትዮጵያ ናብ ኣጎዋ ንምምላስ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኑ ብሊንከን ገሊፆም

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮም  ፃንሒት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ገይሮም።

ኣብቲ ቃለ መሕትት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ተግባራዊነት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውዳድ ትሰርሕ ከምዘላ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ እታ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኢኮኖሚን ካሊእን ዘለዋ መትሕብባር በዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዘተባብዕ ሓቢሮም።

ሙሉእ ተግባራዊነት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ንኢትዮጵያ ናብ ኣጎዋ ንምምላስ ቁርፀኛ ከምዝኾነት  ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ሽግግር ፍትሒ ንምትግባር ዝጀመረቶ ፃዕሪ ብምንኣድ፥ ከይዲ ትግበራ እቲ ስምምዕ ብፅቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሀይወቶም ንክመሓየሽ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕነት ንምትግባር ዘርእዮ ዘሎ ቁርፀኝነት ዝነኣድ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ምንም ፀገም ናብ ትግራይ ይኣቲ ከምዘሎን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ዳግም ስራሕ ምጅማሮም ገሊፆም።

ድምፂ ኲናት ደው ምባሉ፣ ህወሓት ዕጥቂ ምፍትሑን ካልኦት ሓይሊታት ካብ ትግራይ ይወፅኡ ምህላዎም ኣብሪሆም።

ብዮናታን ዮሴፍ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.