Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ብስወራ ግብሪ በቢዓመቱ ካብ 40 ክሳብ 60 ቢሊየን ዶላር ከምትስእን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ብምኽንያት ስወራ ግብሪ በቢዓመቱ ካብ 40 ክሳብ 60 ቢሊየን ዶላር ከምትስእን ምክትል ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካን በዓልቲ ሞያ ቁጠባዊ ሃፍቲን ሃናን ሞርሲ ገሊፀን።

ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ፕላንን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ሃናን ሞርሲ፥ እቲ ክፍተት ምሽፋን ብኽነት ብምንካይ ሃፍቲ ንምትእኽኻብ ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።

ኣፍሪካ ካብ ዓለም ኣብ ልዑል ድኽነት ዝርከቡ ዜጋታት ዝነብሩላ ኣህጉር ምዃና ዝሓራ እተን ምክትል ዋና ፈፃሚት ስራሕ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ኣብ ኣፍሪካ 546 ሚሊየን ሰባት ኣብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ከምዝነብሩ ኣመልኪተን።

ሃገራት ኣፍሪካ እውን ኣብ ድኽነት ትኹረት ዝገበረን መካተቲ ማክሮ ኢኮኖሚ ፖሊሲታትን ብምኽታል ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ትኹረት ክገብራ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ሕድሕዳዊ ምትእስሳር ንግዲ ሃገራት ንኣፍሪካ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.