Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳናይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያትን ብዕምቆት ተመያይጦም፡፡

ዝፀንሐ ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡

ኣበቲ እዋን ዘተ ካብዚ ብተወሳኺ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዩናይትድ ስቴትስን ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ከምዝተስማዕምዑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕነት ሰላም እናመዝገበቶ ትርከብ ዓወት ተቐባልነት ከምዝረኸበ እውን ኣመልኪቱ።

ኣብ ኢኮኖሚ፣ ፃዕሪታት ልምዓት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕርሻን ዞባዊ ምርግጋእን ዘለዉ ጉዳያት ኣብቲ እዋን ዘተ ትኹረት ዝተውሃቦም ዛዕባታት ከምዝኾኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.