Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ንፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂን ፒንግ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሺ ጂን ፒንግ ንሳልሳይ ግዘ ፕሬዚዳንት ቻይና ብምዃንብምምራፆም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም÷ “ሺ ጂን ፒንግ ዳግም ፕሬዚዳንት ቻይና ብምዃን ብምምራፆም ብሽመይ፣ ብሽም ህዝቢን መንግስቲን  ኢትዮጵያ እንኳዕ ኣሕጎሶም” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ምስ ቻይና ዘለዋ ኩለመዳይ፣ ስተራቴጂክ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡

ሎሚ ዕለት ብሙሉእ ድምፂ ዝተመረፁ፥ ካብ ትማሊ ጀሚሩ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 14 ብሄራዊ ህዝባዊ ሸንጎ ንሺ ጂንፒንግ ፕሬዚዳንት ህዝባዊ ሪፐብሊክ ቻይና ገይሩ ምምራፁ ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.