Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ልምዓት፣ ስራሕቲ ህንፀት ዴሞክራሲን መሰል ጉዳያትን ትኹረት ብምግባር ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ልምዓት፣ ስራሕቲ ህንፀት ዴሞክራሲን መሰል ጉዳያትን ትኹረት ብምግባር ከምዝተዛተያ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝገበሩዎ ዘተ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ መግለፂኦም፥ ክልቲኦም ሚኒስትራት ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም ከምዝዘተዩ ኣብሪሆም።

ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ድሕሪ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ዘለዉ ከይዲታት ኣፈፃፅማ፣ አብ ልምዓትን ስራሕቲ ህንፀት ዴሞክራሲ ብዛዕባ ዝሰርሑዎም ስራሕቲን መሰል ጉዳያትን ብትኳር ክልቲአን ሃገራት ከምዝዘተያ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ይርከቡ።

#Ethiopia

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.