Fana: At a Speed of Life!

ክፍፍል ዲጂታል መፍትሒ ዝደሊ ፈተና ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ኣገንዚባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክፍፍል ዲጂታል መፍትሒ ዝደሊ ፈተና ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ዓለም ለኸ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣገንዚባ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ÷ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብፆታ፣ ቋንቋ፣ ዲጂታል ክእለትን፣ ተበፃሕነት ኢንተርኔት፣ ከባቢ፣ ኣቑሑት ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽንን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያን ገደብን ክፍፍላትን ከምዝረአዩ ሓረን።

ኢትዮጵያ እውን እቲ ጉዳይ ሓደ ዛዕባ እቲ ጉባኤ ኮይኑ ምኽክር ንኽግበርን መዕለቢ ክወሃቦን ሓቲታ።

እቲ ጉባኤ ብግድኡ ነዚ ተቐቢሉ ክፍፍል ዲጂታል 2023 ሓደ ኣካል መዛተዪ ዛዕባ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መበል 18 ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ጃፓን ክካየድ ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.