Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቱ ካብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ካብ ነበርቲ እታ ከተማ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ንምውፃእ ልዑል ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብታ ከተማ ሱር ዝሰደዱ ፀገማት ፖለቲካ፣ ማህበራዊን ኢኮኖሚያዊን ከምኡውን ኣወዳድባ መህላዎም ብምግላፅ፥ ነዚ ንምፍታሕ ሀዝቢ ብዘሳተፈ መገዲ የስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

በዚ ድማ ዘተባብዑ ውፅኢታት ምምዝጋብ ምጅማሮም ተዛሪቡ።

ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ሜጋ ፕሮጀክቲታት ተቐሪፆም ናብ ተግባር ብምእታው ብቅልጣፈን ፅርየትን ተዛዚሞም ነህዝቢ ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ እወንታዊ ገፅታ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያን ብምርግጋፅ ከብ ናብ ዝበለ ብርኪ ኣብ መዕባይ ልዑል ግደ ይፃወት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣሓተን ኣሕዋትን ኣፍሪካዊያን ብምዃና ታሪኻን ሓላፍነታን ዝምጥን ገፅታ ንምልባስ፣ ወቅብትን ፅርይቲን ንምግባር ሰፊሕ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ናይ ብዙሓት ኣረጋዊያንን ዓቕሚ ዘይብሎምን ዜጋታት ኣባይቲ ብምፅጋን ዝነበሮም ፅዕንቶ ናብራ ንምቅላል ፃዕሪ የግበር ኣሎ ኢሉ እቲ መግለፂ።

ይኹን እንበር ምምሕዳር እታ ከተማ እዚኦምን ካልኦትን ስራሕቲ ንምስፋሕን ምዕማቕን ፃዕሪ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፥ ለውጢ እታ ከተማ ንድሕሪት ዝጎትትን ፀገም ህዝቢ ዘጋድድን ምንቅስቓሳት ኣብ ምፍፃምን እዛ ከተማ ማእኸል ጎንፂ ንምግባርን ዝተዋፈሩ ሓይሊታት ምህላዎም ኣገንዚቡ።

እቶም ናይ ጥፍኣት ሓይሊታት ዝፍፅምዎ እኩይ ተግባር ነባሪ፣ ህዝባዊ ሰራዊት ሰላም ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ብምዃን ከምክቶም ፀኒሑ ኢዩ ኢሉ።

ብመሰረት ካብ ህዝብን ሓይሊታት ድሕንነትን እታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም መናእሰይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃእ ካብ ዘለዉ ከባቢታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ንተልእኾ ጥፍኣት ልኡኽ ብምውሳድ አንትንቀሳቐሱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ምምሕዳር እታ ከተማ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝተሳተፉ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ብምሕሳብን ዝተጀመረ ሃገራዊ ለውጢ ንድሕሪት ንከይኽበስ ብምሕሳብ ልቦና ኣስፊሑ ትዕግስቲ ከምዝገበረ ኣዘኻኺሩ።

ይኹን እንበር እቲ ተግባር ዝቕፀል እንተኾይኑ ሕጋዊን መምሀሪን ስጉምቲ ከምዝወሰድ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ፍሪያት ኣብ ልዕሊ ዝሓብኡን ዘይሕጋዊ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩን ኣካላት ምቁፅፃርን ሕጋዊ ስጕምቲ መውሳድን ከምዝተጀመረ ሓቢሩ።

ምምሕዳር እታ ከተማ ሰርዓት ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባጃጅ ምምዕርራይ ይገበር ከመዘሎ ብምግላፅ፥ እዚ ተግባራዊ ክሳብ ዝግበር ኣብ ኩሎም ከባቢታት እዛ ከተማ እቲ ኣገለግሎት ጠጠው ንክብል ምውሳኑ ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.