Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣቦ መንበርነት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ኬንያ ተረኪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ኣቦ መንበርነት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ኬንያ መዘነኦም ተረኪቦም፡፡

ኣኼባ ሚኒስትራት ገንዘብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ናይሮቢ እናተኻየደ እንትኸውን÷ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ገምጊሙ፡፡

ተሳትፎ ዘፈር ውልቀን ዲጂታል ምትእስሳር ዞባዊ ውህደትን ምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ዘትዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘጋጠመ ለውጢ ንብረት ኣየርን ዘስዐቦ ጉድኣትን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ጉዳያት ከምዝተዛተዩ ካብ ሚኒቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

እቲ ኣኼባ ዝኸፈቱ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ÷ ኣብ ቆላማ ከባቢታት እቲ ዞባ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ንምክልኻል ኣበ ዓውዲ ማይ፣ ሕርሻን ሃፍቲ እንስሳን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ክቕፅሉ ንምግባር ሓገዝ ገንዘብ ንዝገበሩ መሓዙት ኣካላት ኣመስጊኖም፡፡

ኣብቲ ዞባ ዓሚቕ ውህደት ኢኮኖሚ ንምህናፅ ሓገዝን ምሕዝነትን እተን ሃገራት ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ ኣቦ መንበርት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ከኬንያ ተረኪባ ዝተረከበት እንትትከውን÷ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ቀፃሊ ኣቦ መንበር ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ብምዃን ክመርሑ ኢዮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.