Fana: At a Speed of Life!

ማእኸለ ምፍፃም ልኡኽቶ ዞባዊ ልኡኽቶ ካርቱም ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ኣብ ምክልኻል ልዑል ግደ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸለ ምፍፃም ልኡኽቶ ዞባዊ ልኡኽቶ ካርቱም /ሮክ/ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ብሓባር ኣብ ምክልኻልን ምምካትን ልዑል ግደ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ኢንተር ፖል ገሊፁ።

ኣባል ሮክ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ገበን ፈፂሞም ዝተሰወሩ ገበነኛታት ኣብ ምቅላዕን ኣሕሊፋ ኣብ ምሃብን ብቖራፅነት እናሰርሐት ከምዝኾት ተገሊፁ፡፡

ማእኸለ ምፍፃም ልኡኽቶ ዞባዊ ልኡኽቶ ካርቱም ዶብ /ሮክ/÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2022 ክሳብ 2025 ዝትግበር ከይዲ እቲ ፕሮጀክት ዝግምግም መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናካየደ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ብሓገዝ ገንዘብ 5 ሚሊየን ዩሮ ሕብረት ኣውሮፓ ዝንቀሳቐስ ሮክ÷ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተጣየሸ ፕሮጀክት ከምዝኾነን ኢትዮጵያ ሓዊሱ 11 ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዶብ ዘለል ገበናት ብምትሕብባር ዝሰርሓሉን ማእኸል ኢዩ፡፡

ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባትን ኣዘዋወርቲን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፅሙዎ ሰብኣዊ መጥቃዕቲ ዝምልከት ሓበሬታ ንምልውዋጥን ኣሕሊፍካ ንመሃብን ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.