Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዓል ዓወት ዓድዋ እንትኽበር ዘይተገበአ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ኣካላት ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዓል ዓወት ዓድዋ እንትኽበር ዘይተገበአ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰነን ካልኦት ስራሕቲ ምርመራ እናተገበሩ ከምዝኾኑን ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ÷ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ምኽባር በዓል ዓወት ዓድዋን ብሰላም ንኽዛዘም ነበርቲ እታ ከተማ ንዝነበሮም ርኡይ ብፅሒት ምስጋና ኣቕሪቡ።

በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተኸበረሉ ዕለት ሰላምን ምርግጋእን እታ ከተማ ንምንጋዕ ሁከትን ናዕቢን ንምፍጣር ሓሲቦም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ 878 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 557 ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ከምዝኾኑን ከምዝተረጋገፀ ተሓቢሩ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ኣባል ሓራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ጌቱ ኣርጋው÷ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ እታ ከተማ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ በዓል ዓድዋ እንትኽበር ግቡእ ዘይኮነ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ኣባላት ፖሊስ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደን ካልኦት ምርመራታት እናተሳለጡ ከምዝኾኑን ገሊፆም።

ሓራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣድላዪ ምድላው ብምግባር ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተኻየዱ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ዓበይቲ ኩነታትን በዓላትን ብሰላም ክዛዘሙ ምግባሩ እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም።

መበል 127 በዓል የዓድዋ ብድምቀት ብሰላማዊ መገዲ ተዛዚሙ መገዲታት ንተሽከርቲ ክፍቲ ምዃን እንትጅምሩ ብፍላይ ኣብ ኣደባባይ ምኒልክ ፀገማት ከምዝተፈጠሩ ተዛሪቦም።

ሰላም ዘይደልዩ ውሑዳት ሓይሊታት መልክዕ እቲ በዓል ንምልዋጥን ሰላምን ፀፅታን እታ ከተማ ንምህዋኽ ጎንፂ ብሄርን ሃይማትን ንምፍጣር ከምዝፈተኑ ኣልዒሎም።

ይኹን እምበር እቲ ግብረ ሓይሊ ጥበብ ብዝተመልኦ ኩነታ ምስ ሕብረተሰብ ብምትሕበባር ፀገማት ንምቁፅፃር ፃዕሪ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ኣደባባይ ምኒልክን ካልኦት ከባቢታትን ሁውከትን ናዕቢን ንምልዓል ፈተኑ 878 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ዝሓሩ እቶም ኮሚሽነር÷ “ብዝተገበረ ምፅራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ሞንጎ ዝወዓሉ እቶም 557 ካብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ተረጋጊፁ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብቲ ዕለት ፀገም ዝፈጠሩ ጉጅለታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ምእመናን መሲሎም ብምእታውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ፀፅታ እምኒ ብምድርባይ ጉድኣት ምብፀሖም ብምሕባር፤ ብዝተወደበ መልክዑ ሰላምን ፀፅታን እታ ከተማ ንምንጋዕ ሓሲቦም ዝሰርሑ ኣካላት ከምዝነበሩ ከምዝተረጋገፀ ኣብሪሆም።

ኣብቲ በዓል ብዝተተኮሰ ጥይጥ ህይወት ሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝሓለፈን ስራሕቲ ምፅራይ እናተገበረ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ኣብ ዝባን ፈረስ ኣብ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ዘይተገበአ ተግባር ዝፈፀሙ ኣባላት ፖሊስ እውን ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ገሊፆም።

ኣብቲ ዕለቱ ኣብ ልዕሊ 16 ኣባላት ፖሊስ ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት እንትበፅሖም ሰለስተ ኣውቶቡሳትን ሓንቲ ኣምቡላንስን ከምዝተሰባበራ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብካሊእ መዳይ ትማሊ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልኪ ላፍቶ ልዕሊ 100 ኣሽከርከርቲ ባጃጅ “ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተኸልከሉ ቦታታት ኣቲና ክነሽከርክር ኢና” ብምባል መገዲ ብምዕፃውን እምኒ ብምውርዋርን ፀገም ንምፍጣር ከምዝፈተኑ ገሊፆም።

ብምዃኑ ፍሰት ትራፊክ እቲ ከባቢ ምትእጉጓል፣ ኣብ ልዕሊ ንብረት ፖሊስን ሰላማዊ ሰባትን ጉድኣት ከምዝበፅሐ ብምሕባር፤ ሓይሊታት ፀፅታ ፀገም ዝፈጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናውዓለ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።

ሓራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን÷ ሰላምን ድሕንነትን ነበርቲን እታ ከተማን ንምሕላው ብፍሉይ ጠመተ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.