Fana: At a Speed of Life!

‹‹ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ሆርቲ ፍሎራ ኢትዮጵያ›› ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 90 ዕምበባ፣ ኣትክቲን ፍረምረን ከምኡ እውን እፀ ጣዕሚ ኣፍረይቲ፣ ለኣኽቲን ዝተፈላለዩ ትካላትን ዘሳተፈ ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ሓላፊ ኣገልግሎት ፕሮሞሽንን ኢንፎርሜሽንን ማሕበር ኣፍረይቲን ለኣኽቲን ዕምበባ፣ ኣትክቲ፣ ፍረምረ እፀ ጣዕሚን ኢትዮጵያ የምስራች ብርሃኑ ከምዝገለፀኦ÷ ዕላማ እቶ ዓውደ ምርኢት ኣፍረይቲ ምስ ዓደግቲ ምርኻብ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኢንዱስትሪ ሆርቲካልቸር ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዓውደ ምርኢት ንዝሓለፉ 15 ዓመታ በቢክልተ ዓመት እናተኻየደ ከምዝፀንሐን ሎሚዘበን ንመበል 8ይ ግዘ ከምዝኾነን ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ብምኽንያት ኮቪድ-19ን እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይን ዘይተኻየደ ከምዝፀንሐ እውን ገሊፀን፡፡

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ዓውደ ርእይ ከምዝኾነ የምስራች ብርሃኑ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪበን፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.