Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ልምዓት ኢነርጂ ክዋፈሩ ከምዝደልዩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ ምስ ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ጉጅለ ኢነርጂ ቻይና ሉ ዢያንግ ኣብ ጉዳይ ኢንቨስትመንት ኢነርጂ ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኩባኒያታት ቻይና ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ልዑል ተሳትፎ ገይሮም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ብዙሓት ዕድላት ኢንቨስትመንት ከምዘለዉ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ኣብቲ ዞባ ምትእስሳር ሓይሊ ብምፍጣር ኢትዮጵያ ማእኸል ሓምለዋይ ኢነርጂ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ዝሕደስ ሓይሊ ንሃገራት እቲ ዞባ ብምቕራብ ምትእስሳር ኢነርጂ ብምፍጣር ምልቃቕ ካርበን ኣብ ምንካይ ኣስተዋፅኦ ምግባር ከምዝከኣል ኣልዒሎም፡፡

ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ጉጅለ ኢነርጂ ቻይና ሉ ዢያንግ ብግደኦም÷ ትካላት ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት እናተሳተፉ ከምዝፀንሑ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብቀፃሊ ድማ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ኢነርጂ ክዋፈሩ ድሌት ከምዘለዎም ብምሕባር÷ናብ ኢንቨስትመንት ንምእታው ምቹው ሃዋህው ንኽመዓራረ ምሕታቶም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.