Fana: At a Speed of Life!

ፋውንዴሽን “ኢዱኬሽን ኣበቭ ኦል” ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ፕሮጀክታት ትምህርቲ ብምድጋፍ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምኽክር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋውንዴሽን “ኢዱኬሽን ኣበቭ ኦል” ኳታርን መንግስቲ ፌዴራልን ኣብ ኢትዮጵያ ፕሮጀክታት ትምህርቲ ብምድጋፍ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምኽክር ተኻይዱ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ÷ ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ ዝሰርሕ ፋውንዴሽን ፋሃድ ሃማድ ሓሰን ኣል-ሱላይቲ ኣብ ዶሃ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ እቲ ፋውንዴሽን ብምኽንያት ጎንፂ ዝተጎድኡ ትካላት ትምህርቲ መሊስካ ኣብ ምህናፅ ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ግደ ከምዝተመያየጡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ፋውንዴሽን “ኢዱኬሽን ኣበቭ ኦል” ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2012 ዝተጣየሸ እንትኸውን÷ ብብርኪ ዓለም ፅሬት ዘለዎን ንኹሉ ዝሓቁፍን ትምህርቲ ተበፃሒ ንምግባር ዝሰርሕ ትካል ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.