Fana: At a Speed of Life!

ምስ ፓኪስታን ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዓውዲታት ንምጥንኻር ክስራሕ ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ፓኪስታን ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዓውዲታት ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ጉጅለ ልኡኽ ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታንን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምቹው ኩነታ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ኣመልኪቶም ልዝብ ኣካይዶም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣይተ ደመቀ መኮንን÷ እቲ ጉጅለ ልኡኽ  ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ ርክብ ክልቲአን ሃገራ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

መንግስቲ ንኢንቨስትመንት ምቹዋት ዝኾኑ ኣሰራርሓታት ብምትግባር፤ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ካልኦትን ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ዘሎ ምቹው ኩነታ ንኽጥቀሙ ፃወዒት ዘቕረቡ ኣይተ ደመቀ÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ኩለመዳያዊ ንምግባር ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ፓኪስታን ዝጅምሮ በረራ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ሾዛብ ኣባስ ብግደኦም÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ብኢኮኖሚያዊ ዓውዲ ንምትእስሳር ከምዝስራሕን እቲ ጉጅለ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ ኣካል እቲ ስራሕ ከምዝኾነን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.