Fana: At a Speed of Life!

ንኹሉ ዝሓቁፍ ብሄራዊ ምኽክር ብምግባር ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ይግባእ – ኣይተ ታየ ደንደኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ሃገር ንኹሉ ዝሓቁፍ ብሄራዊ ምኽክር ብምግባር ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ኣይተ ታየ ደንደኣ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ዝተፈላለዩ ትጋላት ገባሪ ሰናይ ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ህንፀት ሰላምን ሓድነትን ዘተኮረ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ ኮንፈረንስ ኣካይዱ።

ኣይተ ታየ ደንደኣ÷ ሚኒስቴር ሰላም ብብርኪ ሃገር ብሄራዊ ምርድዳእ፣ ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ዘደንፍዑ ብዙሓት ተግባራት እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ሓድነትና ምጥንኻር ምርጫና ዘይኮነስ ግቡእና ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ÷ ከም ሃገር ንኹሉ ዝሓቁፍ ብሄራዊ ምኽክር ብምክያድ ኣብ ዋና ዋና ሃገራዊ ጉዳያት ብምልዛብ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ፓናል ዘተ ዝተኻየደ እንትኸውን÷ ኮሚሽን ብሄራዊ ምኽክር፣ ሚኒስቴር ሰላም፣ ብሄራዊ ቦርድ መረፃን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዝሰርሑዎም ተግባራት ዝምልከት መብርሂ ምሃቦም ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.