Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዛቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ጎድና ጎኒ ኣብ ኳታር እናኸየደ ዝርከብ ኣብ ትሑት ብርኪ ዕብየት ዝርከባ ሃገራት ጠሚቱ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ ) ኢዩ።

ብመሰረት እዚ፥ ምስ ኣሚር ኳታር ሼክ ተሚም ኢብን ሃማድ ኣልታኒ፣ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጄኔራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ቀዳማይ ሚኒስትር የመን ማዕን ኣብዱልማሊክ ሰኢድን ምስ ኣቦ ኤሚር ግዝኣት ኳታር ሼክ ተሚም ኢብን ሀማድ አልታኒ ዝኾኑ ሼክ ሃማድ ቢን ካሊፋ ተዛቲዮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፥ ምስ ኣሚር ኳታር ሼክ ተሚም ኢብን ሃማድ ኣልታኒ ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ከምዝተዛተዩ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ምስ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጄኔራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስትር የመን ማዕን ኣብዱልማሊክ ሰኢድን ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት እተን ሃገራት ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀማመይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስ ኣቦ ኤሚር ግዝኣት ኳታር ሼክ ተሚም ኢብን ሀማድ አልታኒ ዝኾኑ ሼክ ሃማድ ቢን ካሊፋ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ልምዓትን ኢንቨስትመንት ኣብ ምሕጋዝ ዝገበረ ከምዝነበረ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንኳታር ዝኾኑ ዕድላት ኢንቨስትመት ከምዘለዉ ከምዝሓበሩሎም ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.