Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ 767 ትካላት ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ 767 ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ ገሊፁ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮቪድ-19 ኣብታ ከተማ ምእታዉ ስዒቡ ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋን ፀገም ቀረብን ከይፍጠር ብዝብል ግብሪ ሓይሊ ብምጥያሽ ኣብ ምንቅሰቀቓስ ንግዲ ቁፅፅር እናገበረ ይርከብ።

እቲ ግብሪ ሓይሊ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ዕዉት ስራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ 14 ሺሕ ትካላት ንግዲ ስራሕቲ ንግዲ ክትትልን ቁፅፅርን ምግባሩ ድማ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ከተማ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብዝተገበረ ሰራሕቲ ቁፅፅር፥ ልዕሊ 11 ፍርያታትን 12 ፋርማሲታትን ሓዊሱ ኣብ 767 ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ምውሳዱ ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ኣብዱልፈታ የሱፍ ተዛሪቦም።

ግቡእ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ምግባር፣ ተሓባቢርካ ዋጋ ምውሳን፣ ፍርያታት ምኽዛንን ምሕባእን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ናህሪ ዋጋ ኣብ ዘስዕቡ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ትካላት ንግዲን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኢዮም እቶም ሓላፊ ዝገለፁ።

እቶም ፀገም ዝፈጠሩ ትካላት፥ መጠን ጥፍኣቶም እናተረኣየ ካብ ምሕደራዊ ስጉምቲ ጀሚሩ ክሳብ ምዕሻግ ዝበፅሐ ስጉምቲ እናተወሰደሎም ምዃኑ እውን እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.