Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ከቢድ ጉድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ 12 ከባቢ ሎሚ ሜዳ አካባቢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሼዳት ከምዝዓነዉ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ገሊፁ፡፡

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ በቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ንብረት ሓሙሽተ ማሕበራት ስፌት ክዳን ከቢድ ሓደጋ በፂሑ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ሓሙሽተ ተሸከርከርቲ ምቁፅፃር ሓደጋን 69 ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋን ከምዝተዋፈሩ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ሓደጋ ተስፋሕፊሑ ተወሳኺ ጉድኣት እንተይበፅሐ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ እውን ኣይተ ንጋቱ ገሊፆም።

ሎሚ ሜዳ ወይ እውን መንደር ኢንዱስትሪ ተባሂሉ ዝፅዋዕ እቲ መፍረዪ ቦታ፥ ብብርኪ ከተማ ንሓደጋ ተቓላዒ ተባሂሎም ካብ ሞንጎ ዝተፈለዩ ቦታታት ሓደ ከምዝኾነን ተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘጋጥመሉን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.