Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኦሮሚያ፣ ደቡብን ጋምቤላ፣ ዓፋርን ኣምሓራን በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ዓድዋ ናይ ሜዳ ዓወት ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓድነት ጠጠው ናይ ምባል ምስጢር ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም፥ ኣብ ዓድዋ ዝተርኣየ ጅግንነትን ፍቕሪ ሃገርን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሳገረ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ እዋናት ዝበፅሓ ኣብ ልዕሊ ናፅነታ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንኽትፃወርን ክብራ ንኽትሕሉን ከምዘኽኣላ ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳ መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምምግባር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ብራኸ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ሓድነት ምጥንኻር ከምዘድሊ ገሊፆም።

ኣይተ ርስቱ ይርዳ ኣብ መልእኽቶም፥ “ኣርማ ናፅነት ኣፍሪካ ዝኾነ በዓል ዓወት ዓድዋ ብህይወት መስዋእትነት መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ዓወት ኢዩ ኢሎም፡፡

ዓወት ዓድዋ ምልክት ምትሕብባር፣ ወነ ይብዳህን በሃላይነት ዘሕንገጠን ገድሊ ሰዓራይነትን ዘንበረ ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽ ከምዝኾነ እውን ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ኩሉግዘ ንፀላእታ ዘይትንብርከኽ ሃገር ኢያ ዝበሉ ኣይተ ርስቱ÷ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ፀላኢና ዝኾነ ድኽነትን ድሕረትን ክንስዕሮ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ድማ፥ ናይ ሕዚ ወለዶ ካብ ዓወት ዓድዋ ትምህርቲ ብምውሳድ ኣብ ህንፀፅ ሃገርብሓባር ክለዓሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም፥ ዓወት ዓድዋ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፀለምቲ ህዝቢታት “ኣነ ፀሊም ኢየ፤ ግን ጥንኩርን ፅቡቕን ኢየ” ክብሉ ዝገበረ ዐወት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣብ ዘመሓለለፉዎ መልእኽቲ ድማ፥ ዓወት ዓድዋ ውፅኢት ምንቅስቓስ ኣይግዛእን በሃላይነት፣ ባርነትን ምፅላእ ጭቆናን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ዓወት ዓድዋ መረጋገፂ ሓድነት፣ ሰዓራይነትን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያውያን፣ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኢዮምም፡፡

#Ethiopia #Adwa #Victory

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.