Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ኣብ ዞባ ቦረና ብምኽንያት ድርቂ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ሓገዝ ምግቢን ናውቲን ገይሩ።

እቲ ሓገዝ፥ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዝተረኸቡሉ ንዓበይቲ ዓዲን ሓለፍቲ ስራሕን እቲ ዞባ ኣረኪቦም።

ኣባላት ሰራዊት ሓይሊ ኣየር ብናይባዕሎም ተበግሶ ሓገዝ ከምዘተኣኻኸቡን ንመኖ እንስሳት ዝኸውን ሓገዝ ኣብ ቀፅሪ እቲ ሓይሊ ኣየር እናፈረየ ከምዝርከብን ሌተናል ጄኔራል ይልማ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከብ መኖ ብተወሳኺ ስርናይ ከምኡ እውን ምግቢ እንስሳት ከምዝርከቦን ኣብ ቀፃሊ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.