Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ንኸተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ግልጋሎት ስራሕቲ ጥዕና እትውዕል ኣምቡላንስ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ንኸተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ግልጋሎት ስራሕቲ ጥዕና እትውዕል ሓንቲ ኣምቡላንስ ሓገዝ ገይሩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ተጠባባቂ ፕረዚዳንት ዝኾኑ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ ከም ዝበልዎ፥ እቲ ሂያብ ሕዚ ኣጋጢሙ ንዘሎ ሓድሽ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ጠንቂ ጥዕናን ካልኦትን ፀገማት ሕብረተሰብን ኣብ ግምት ብምእታው ግልጋሎት ቅድመ መጠንቀቅታ ንምሃብ ዝዓለመ ሓገዝ እዩ።

ብሓገዝ ዩንቨርስቲ ኣኽሱም ንሆስፒታል ቅድስት ማርያም፣ ንኸተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ግልጋሎት ስራሕቲ ጥዕና ከምትውዕል ዝገለፁ ዶክተር ኪሮስ፥ ካልኦት ተመሳሰልቲ ፀገማት ሕብረተሰብ ናፃ ኣገልግሎት ብምሃብ ኣብ ቀፃሊ ፀገማት ጥዕና ዝኾኑ ንምፍታሕ ልዑል ግደ ከምዝህልዋ እውን ኣብሪሆም።

ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሓደ ኮይኑ፥ ካብ መላእ ሃገር ንዝመፁ ተምሃሮ ብፍልጠት፣ ብኽእለትን ዘመናዊ ቴክነሎጂ ዝወነን ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍራይ ዓሊሙ እናሰርሐ ከምዝርከብ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ኣኽሱም ኣፍሊጡ።

ኣብ ዙርያ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዝርከብ ሕብረተሰብ ድማ ናፃን ኩለ መዳይ ግልጋሎትን እናሃበ ምዃኑ ገሊፁ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.