Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢኮኖሚ ከሕድሮ ዝኽእል ፅዕንቶ ብምፍላይ ዝከኣል ኩሉ ንምግባር ምንስቓስ ጀሚሩ ኣሎ – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢኮኖሚ ከሕድሮ ዝኽእል ጭቡጥ ጉድኣት ብምፍላይ ዝከኣል ኩሉ ንምግባር ምንስቓስ ምጅማሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ንሰብ ሞያታት ጥዕና ዝገብሩዎ ንዘለዉ ብርቱዕ ቃልሲ ኣመስጊኖም።

“ናትና ጥዕና ንኽሕሎ ኩሉ ጥዑይ ይኹን” ብዝብል መምርሒ መሰረት ብምግባር፥ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ዝተርኣየሉ እዋን ልዕሊ 150 ሰብ ሞያታት ጥዕና ሃገርን ህዝብን ወኪሎም ናብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ተጓዒዞም ንኣህፍሪካውያን ኣሕዋቶም ኣገልጊሎም ብዓወት ምምላሶም ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ተሓጋጊዝና ዘይንሰግ ፀገምን ፈተናን ኣይህሉን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ወፍሪ ምክልኻል ቫረስ ኮሮና፤ ሰብ ሞያታት ጥዕና መሪሕ ተሳተፍቲ ብምዃን ንዝፈፀሙዎ ዘኹርዕ ተግባር ብሽም መንግስቲ ፌዴሪኢን ብሽሞምን ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፈተና ብዓወት ምውፃእ ክሳብ ዝከኣል፥ መንግስቲ ኩሎም ኣካላት ኣተሓባቢሩ ኣብ ጎድኒ እቶም ሰብ ሞያታታትን ስድራቤቶምን ከምዝስለፍ እውን ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.